ሶማል፣ ንማሕበራዊ ሜድያ ቲክቶክን ቴሌግራምን ኣጊዳ

Radio Erena: Wednesday, 23 August 2023

መንግስቲ ሶማል፣ ንማሕበራዊ ሜድያ ቲክቶክን መልኣኽቲ መለዋወጢ ቴሌግራምን ኣብታ ሃገር ካብ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ክእዕጾ ኣዚዙ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቲክቶክ፣ መልእኽቲ መለዋወጢ ቴሌግራም ከምኡ ድማ መቛመሪ መርበብ 1XBet ብወግዒ ክዕጾ ዝደለየሉ ምኽንያት፣ ግጉይን ስነ ምግባር ዘይሓለወን ሓበሬታን የተሓላልፍ ኣሎ ብዝብል’ዩ።

ኣብ ሶማል ዝርከባ ኩባንያታት ምክፍፋል ኢንተርነት፣ ቲክቶክ ንዝርከቦ ማሕበራዊ ሜድያ ክዓጽውኦ ትእዛዝ ከምዝተዋህበን፣ ሚኒስተር መራኸቢታት፣ ጃማ ሓሰን ከሊፋ ኣረጋጊጹ።

እተን ኩባንያታት፣ ዝተዋህበን ትእዛዝ ክሳብ 24 ነሓሰ ኣብ ግብሪ ከውዕላ’የን።

ኣልሸባብ፣ ብቲክቶክን ቴሌግራምን እናተጠቕመ ንጥፈታቱን ፕሮፖጋንዳታትን ይዝርግሕ ከምዘሎ ዝወቐሰ እቲ መንግስቲ፣ ነዚ ማሕበራዊ ሜድያ ክዕጾ ዝእዝዝ ዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ካልኣይ መድረኽን ወሳንን መጥቃዕቲ ንምክያድ ኣብ ዝብገሰሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብቻንያዊ ኩባንያ ዝመሓደር ቲክቶክ፣ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምዃኑ ፈጢርዎ ብዘሎ ጽልዋታት፣ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን’ውን ክዓጽውኦ ይደናደና’የን።

ነቲ ህቡብ ኮይኑ ዘሎ ማሕበራዊ ሜድያ ናብ መላእ ዓለም ዘርጊሓ ዘላ ቻይና ንባዕላ፣ ህዝባ ከይጥቀመሉ፣ ካብ ጀመርይኡ ከምዝኣገደቶ ይፍለጥ።

ኣብ ቻይና፣ ፍርያታ ቲክቶክ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ፌስቡክ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያ’ውን ኣይሰርሕን’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0