ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ዓሚ ዝቐተሎም 54 ዜጋታት ኤርትራን 8 ዜጋታት ኢትዮጵያን ይዝከሩ

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ዓሚ ዝቐተሎም 54 ዜጋታት ኤርትራን 8 ዜጋታት ኢትዮጵያን ይዝከሩ

Radio Erena: 07 March 2016

ISIS

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ዓሚ ኣብ ሊብያ ዝቐተሎም 54 ዜጋታት ኤርትራን 8 ዜጋታት ኢትዮጵያን ዝኽሪ ይካየደሎም።

እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ነቶም ብ4 መጋቢት 2015 ዝሓዞም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 7 መጋቢት 2015 ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ኣብ 18 ሚያዝያ’ዩ ነቲ ቪድዮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘርጊሕዎ።

ዳዒሽ፣ ካብቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝሓዞም 85 ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነቶም 62 ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ክቐትሎም እንከሎ፣ ን13 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን 10 ደቂንስትዮን ከኣ ነቲ ቅትለት በዒንቶም ክርእዩ ከምዝገበረ ኣይርሳዕን።

 

ካብቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ናይቲ ሽበራዊ ጉጅለ በዒንቶም ዝተዓዘቡ 23 ሰባት ብዘይካ ሸውዓተ ትሕቲ ዕድመ ብምሉኦም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ክኢሎም’ዮም።

ናይቶም ሸውዓተ ትሕቲ ዕደም ሃለዋት ግና ዛጊት ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ነቶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ናብ ሊብያ ድሕሪ ምእታዎም ዝሓዞም ተራ ስደተኛታት ብሰንኪ ዝኽተልዎ ሃይምኖት ክርስትና’ዩ ቀቲልዎም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቕትለት ሸሞንተ ዜጋታቱ ዝተሰምዖ ቁጠዐ ንምግላጽ ብኡ ንእቡ ተቓውሞን ሰለማዊ ሰልፍ ከካይድ እንከሎ፣ 54 ዜጋታቱ ብሰካሕክሕ ኣገባብ ዝተቀትልዎ ህዝቢ ኤርትራ ግና ሓዘኑ ብዓውታ ክገልጽ’ውን ከምዘይክኣለ ኣይርሳዕን።

ህዝቢ ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ፣ ኣብ ላምፔዱሳ፣ ሲናይን ሊብያን ናይ ዝሃለቁ ዘለዉ ደቁ፣ ቁጠዐኡ ንምግላጽ ተቓውሞ ይኹን ሰልፊ ከካይድ ኣይፍቀዶን።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0