ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ጽባሕ ክዝከር’ዩ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ጽባሕ ክዝከር’ዩ

Radio Erena: 19 June 2015

worlrefuday

ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ጽባሕ 20 ሰነ ብደረጃ ዓለም ክዝከር’ዩ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣመና ተጋኒንሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ 20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ዝልዓለ ኣተኩሮ ተዋሂብዋ ይርከብ።

ብመሰረት ጸብጻባት ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ ሶርያውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ተሰሪዑ ዘሎ።

ኣብዘን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ 2015 ጥራይ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 1500 ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ዝተፈላለየ ጸብጻባት የመልክት።

 

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0