ብዶብ ሱዳን ዝተተምየነ ዶላር ናብ ኤርትራ ይኣቱ ምህላዉ ተገሊጹ

ብዶብ ሱዳን ዝተተምየነ ዶላር ናብ ኤርትራ ይኣቱ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 June 2015

Counterfieteddola

ብዶብ ሱዳን ኣቢሉ ዝተተምየነ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ናብ ኤርትራ ይኣቱ ብምህላዉ፣ መንግስቲ ኣብ ከባቢታት ተሰነየን ኣስመራን ፍሉያት ኣባላት ስለያ ብምውፋር ንዘርጋሕቲ እቲ ናይ ሓሶት ባጤራ ይሃድን ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ጠቒሶም።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ከም ነዳዲ፣ ፊኖ፣ ዘይቲ፣ ጸባ፣ ሽኮር ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራትን ካልእ ኣቑሑን ብኮንትሮባንዳ ክኣቱ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ዝተተምየነ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብፍላይ ዶላር ክኣቱ ጀሚሩ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

 

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ኡጋንዳ ዝመጸ ዝበሎ ዝተተምየነ ዶላርን ኤውሮን ከምዝሓዘ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ፣ እቲ ዝተተምየነ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ብመርበብ ብዝተዋፈሩ ሰባት ይካየድ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ንምህዳኖም ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።

ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኤርትራ ብወገኑ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተተምየነ ናቕፋ ተዘርዩ ከምዘሎ እኳ ብወግዒ እንተጠንቐቐ፣ ብኸመይ መንገዲን ካበይን ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ግና ኣይነጸረን።

ብዛዕባ’ዚ ዝተተምየነ ዶላር ብዝምልክተ ግና ዝኾነ መጠንቐቕታን ሓበሬታን’ውን ኣይሃበን።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብቲ ብሕጋዊ ዝካየድ ንግድን ዕዳጋን እቲ ብኮንትሮባንዳን ‘ኣየር ብኣየር’ እናተባህለ ዝግለጽ ናይ ደገ ደገን ዝያዳ እናዓብለለ ይመጽእ ምህላዉ፣ ንቁጠባ እታ ሃገር ብኸቢድ ይሃስዮ ኣሎ።

ብፍላይ ሸርፍን ሓዋላን ብደገደገን ብኮንትሮባንዳን ከምዝካየድ ብሰፊሑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ነዚ ንምቁጽጻር፣ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ባንክ ዝወጻእ መጠን ገንዘብ ክድርቶ እኳ እንተፈተነ፣ ኣብ ግብሪ ግና ከምቲ ዝድለ ከዕውቶ ከምዘይክኣለ’ውን ይንገር።

============================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0