20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብረዚን ክብሪ ትዝከር ኣላ

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብረዚን ክብሪ ትዝከር ኣላ

Radio Erena: 19 June 2015

20june

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ብረዚን ክብሪ ይዝክራ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውትያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብምኽንያት እዛ ዕለት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልእክዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ንሰማእታት ዘለዎም ረዚን ክብሪ ብምርግጋጽ መብጻዓ’ቶም ሰማእታት ዝትግበር፣ ኤርትራ ደሞክራስዊ መንግስቲ ምስ እትተክልን፣ ዜጋታታ ድማ ብሓርነትን ሰብኣዊ ክብርን ምስ ዝነብሩ ጥራይ’ዮም ክብሉ ኣስሚሮም።

 

እዛ ብረዚን ክብሪ እትዝከር 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፣ ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ መሰል ዜጋታቱ ተኸሲሱ ኣብ ጄኔቫ፣ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርበሉ ዘሎ ዕለታት ትውዕል ምህላዋ’ውን ንባዕሉ ሕድሪ ሰማእታት ከምዘይተኸብረ ዝሕብር መልእኽቲ ከምዘለዋ’ውን ኣረዲኦም።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ሽምዓ ብምውላዕ፣ ጉዕዞ እግሪ ብምክያድን ካልእ ንጥፈታት ብምውዳብን’ዮም ዝዝክርዋ ዘለዉ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ብጩራ ባንድ ዝፍለጡ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን’ውን ብምኽንያት እዛ ዕለት፣ ስእላዊ እግዚቪዥን፣ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ብረታዊ ተጋድሎን ክሳብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ዘንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም፣ ከምኡ ድማ ሙዚቃዊ ምርእቲን ግጥምታትን ከምዘቕረቡ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ወኪል ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0