ሱዳን: ህርፋን ስልጣን ጀነራላት ሃገር የዕኑ

RADIO ERENA:- Monday ,04 March 2024

ኣብ ሱዳን ስልጣን መን ጨበጠ ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ንሃገረ ሱዳን ናብ እተስካሕክሕ ናይ ገበን ማእከል ይቕይራ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ::

ኣብዚ 11 ወርሒ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኣስራት ፍርቂ ካብ ህዝቢ ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲአት ክኾኑ ኣገዲድዎም ኣሎ::

ኣብዚ ኲናት ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ክቕቲሎን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 80 ሚእታዊት ሆስፒታለትን ትካላት ጥዕናን ብሰንኪ ሕጽረት ክዕጸዋ እንከለዋ መድሃኒት ድማ የለን::

ኣብዚ ኲናት ሱዳን እቲ ዝበኣሰ ኣብቲ ኣባላት ሰራዊትን ዕጡቓትን ደቀንስትዮ ኣብ ምዕማጽን ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉ ከምዘለዉ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘይቆጻጸርዎ ከባቢ ናይ መግቢ ሓገዝ ከይሕፍ ይኽልሉ ምህላዎም እዩ::

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ምሰላት ውድብ ሕቡራት ኣገራት ንኹነታት ሱዳን ‘ኣዝዩ ዘሰንብድ ናብ መጫጭሒ ገበናት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ኮይና ኣላ ክብል ይገልጽ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0