ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ቅርብቲ እንተላ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ክገብር ድሉው ምኳኑ ብመንገዲ ኣምባሳድሩ ገሊጹ

Radio Erena: 06 May 2022

ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ቅርብቲ እንተላ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ዝከኣሉ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ክገብር ድሉው እዩ ክብል፣ ኣምባሳደር’ቲ ሕብረት ሮላንድ ኮብያ ገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ዕርቂ ንምክያድ ፈተነታት ክካየድ ምጽንሑ ሰናይ ድሌት እኳ እንተኾነ፣ ዕዉት ሰላምን ዕርቅን ዘምጽእ ዘተ ምክያድ ግና ዝያድኡ ተወፋይነትን ሕድገታትን የድልይ ኢሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኢትዮጵያ ዓሌትን ካልእ ብሄር ዝመንቀሊኡ ግርጭታትን ሕነ ምፍዳይን፣ ኣብ ሓደ ናይ ዕንወት ዓንኬል እያ ትዘውር ዘላ ብምባል ዝገለጻ ኣምባሳደር ሮላንድ፣ እዚ መንገዲ’ዚ ብዘይካ ንዕንወታ ካልእ ዘምጽኦ ፍረ የለን ኢሉ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብተወሳኺ፣ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻውዒት እንተቐሪቡሉ፣ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዘዋስኖ ዶባት ዘሎ ምስሕሓባት እውን መፍትሒ ንምርካብ ክተሓጋገዝ ምዃኑ፣ እቲ ኣምባሳደር ገሊጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ዕርቂ ብምእዋጅ ሰላም ከስፍን ጻዕርታት ይገብር ኣለኹ እኳ እንተበለ፣ እቶም ቀንዲ መተሃላልኽቱ ኮይኖም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ሃገራዊ ዕርቂ ኣይሳተፉን እዮም ምባሉ፣ ‘ከይተበገሰ ዝፈሸለ ዕርቂ’ ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0