ኢትዮጵያ፣ 446 ፋብሪካታት ስርሐን ደው ኣቢለን

Radio Erena: 05 May 2022

ኣብ ኢትዮጵያ 446 ፋብሪካታት ስርሐን ደው ኣቢለን ከምዘለዋ፣ ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር መላኩ ኣለበል ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕጽረት ገንዘብ፣ መሳለጥያታትን፣ ዘይተወሃሃደ ሓገዝ ካብ መንግስትን፣ ቀንዲ ጠንቅታት ምቁራጽ ምህርቲ’ተን ፋብሪካታት ምዃኑ ኣብሪሁ።

ብሓፈሽኡ ክረአ እንከሎ፣ ፋብሪካታት ኢትዮጵያ ካብቲ ከፍርያኦ ዝግበአን፣ ብፍርቂ ጎዲለን ምህላወን እቲ ሚኒስተር ኣመልኪቱ።

ሕጽረት ክኢላዊ ዓቕሚ ሓደ ካብ ጠንቅታት ምዃኑ ዝገልጽ ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ሓድሽ ጎስጓስ ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ባጀቱ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣዋፊሩ ከምዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0