ሱዳን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፣ ሚስጢራዊ ርክባት የካይድ ኣሎ፣ ክብላ ብሕታውያን ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ወቒሰን

Radio Erena: 06 May 2022

ዘተ ሰላም ሱዳን ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ግንቦት ክካየድ ተመዲብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፣ ሚስጢራዊ ርክባት የካይድ ኣሎ፣ ክብላ ብሕታውያን ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ምኽትሉ ሓምዳን ዳግሎ ከምኡ’ውን ጀነራል ሸም-ኣል-ዲን ቃባሺ፣ በብወገኖም ተዋፊሮም ምስ መራሕቲ ውድባትን ጸለውቲ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገርን ርክባት ከካዪዱ ምጽንሖም፣ ኣባል ቆንስል ያሲር ኣል-ዓጣ፣ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ ተኣሚኑ።

እንተኾነ ርክብ እቶም ወተሃደራውያን ሰበስልጣን፣ ነቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ንዘተ ሰላም ከዳልውዎምን፣ ምስ ካልኦት ዘራኽቦምን ዘፈላልዮምን ነጥብታት ንምፍላይ ዝዓለመ’ዩ እምበር ካልእ ሚስጢራዊ ዕላማ የብሉን፣ ክብል ገሊጹዎ።

ንሱ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓያሎ ካብቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ከምዝተራኸበ ዝገልጽ ኣባል ቆንስል ያሲር ኣል-ዓጣ፣ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ኮሚኒስት፣ ግና ከምዘይተራኸበ ገሊጹ።

እቲ ዝዓበየ ናይ ለውጢ ሞተረ፣ ንህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ዝመርሐን፣ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፣ ‘ጀነራል ኣልቡርሃን ብዕልዋ ንዝሓዞ ስልጣን፣ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዘየረከበ፣ ዝኾነ ዘተ ፍረ ኣይርከቦን እዩ’ ብምባል መርገጺኡ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0