ኢትዮጵያ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እንዳሓየለ ይመጽእ

Radio Erena: Friday, 04 August 2023

ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል፤ ፈደራላዊ ሰራዊት ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ፤ ምርግጋእን ጸጥታን ከስፍን ጸዊዖም ኣለዉ።

እቲ ውግእ፤ ድሮ ቁጠባዊ፤ ማሕበራዊን ሰብኣዊን ቅልውላው ፈጢሩ ምህላዉ ዝገለጸ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ብወገኑ፤ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝዕድም ናይ ዘተ መኣዲ፤ ብረቡዕ 3 ነሓሰ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላሊበላ፤ ኣብ መንጎ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ፈደራል ፖሊስን ውግእ ከምዝተኸፍተ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፤ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ናይ ቱሪዝም ቦታታት ኩሉ ተዓጽዩ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት፤ ዜጋታተን ናብ ጎንደር ከይጎዓዙ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን ኣለዋ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፤ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከምዝቋረጽ ገይሩ ከምዘሎ ዝሓበሩ ተጣበቕቲ መሰላት ኢትዮጵያ፤ መንግስቲ ንማሕበራዊ ሜድያ ምዕጻው ዘይኮነ፤ ካብ ዝሓለፈ ጌጋኡ ተማሂሩ ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም ኣለዉ።

እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ሰዓት፤ ናብ ጎንደር ዘእቱ፤ ናይ ነፋሪት ኮነ መስመራት ጽርጊያ ኩሉ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ።

ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ነበርቲ ጎንደር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፤ ‘ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ስርዓተ መንግስቲ ኩሉ ፈሪሱ እዩ ዘሎ’፤ ብምባል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነቶም ከምዘጥፍኡ ሓቢሮም።

ብካልእ ወገን ኣብ ምዕራብ ጎጃምን ሰሜን ወሎን እውን ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ኣሶሼትድ ፕረስ ገሊጹ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0