ሰራዊት ሶማል፤ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 160 ኣባላት ኣል ሸባብ ከምዝቐተለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን’ታ ሃገር ኣፍሊጡ

Radio Erena: Friday, 04 August 2023

ሚኒስተር ዜና ሶማል ዳውድ ዓወይስ ብረቡዕ 3 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፤ ኣብ ሂርሸበሌ፤ ጋልምዱግን፤ ደቡብ ምዕራብ’ታ ሃገርን፤ ጽዑቕ ኲናት ክካየድ ምቕናዩ ብምምልካት፤ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን፤ ግዙፍ ሓገዝ ከምዘበርከቱ ገሊጹ።

ከምዝፍለጥ፤ 3 ሽሕ ዝኣኽሉ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ካብ ሶማል ክወጹ እዮም። ዳውድ ዓወይስ ኣብ መግለጺኡ፤ ዋላ ድሕሪ ምውጻእ ዓቃብ ሰላም፤ ሰራዊት ሶማል ጸጥታ’ታ ሃገር ከውሕስ ምሉእ ብቕዓት ኣጥርዩ ምህላዉ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብኣንጻሩ፤ ኬንያ፤ ኢትዮጵያን ጂቡቲን፤ ምስ ዓቃብ ሰላም ዘይጥርነፍ ሰራዊት ናብ ሶማል ክልእካ ጸዊዑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፤ ኬንያ፤ ዩጋንዳ፤ ኢትዮጵያ፤ ጂቡቲን ብሩንዲን፤ ዓቃብ ሰላም ንምቛም ሰራዊተን ናብ ሶማል ልኢኸን ዘለዋ ሃገራት እየን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንዝዓነወ ቁጠባ’ታ ሃገር ንምሕዋይን ብሰንክኡ ንዝተመዛበለ ህዝቢ ንምጥያስን፤ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዋን እዩ፤ ዳግማይ ናብ ኲናት ሓድ ሕድ ዝጽመድ ዘሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0