ካብ 18 ክሳብ 25 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ርዋንዳ፡ 8 ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ክሳተፉዮም

Radio Erena: Friday, 16 February 2024

ካብ 18 ክሳብ 25 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ርዋንዳ፡ 8 ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ክሳተፉዮም::

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል እዮብ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ናሆም ዘርኣይን ያፌት ሙልጌታን ከተሳትፍ::

ኣብዚ መበል 16 ዙር ርዋንዳ፡ ሻምፕዮን ኤርትራ ዓወት ኣማን ምስ ጋንታ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ተሓቚፉ ክወዳደር እንከሎ፡ ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብቶምን ከኣ ማልያ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ ኤይድ ወድዮም ናብዚ ብኣህጉራዊ ደረጃ ናይ 2.1 መዐየሪ ዘለዎ ቅድድም ከምርሑዮም።

ኣብዚ ሃገራውያን ጋንታታትን አህጉራውያን ዓበይቲ ክለባትን ዝሳተፍኦ ቅድድም፤ ኤርትራውያን ምስቶም ብብዝሒ ካብ ሓንቲ ሃገር ዝተሰለፉ ተቐዳደምቲ ኮይኖም ክቐርቡዮም።

ንሃገራት ጋንታ ኤርትራን ኤርትራውያን ተቐዳደምትን ዓወት ንምነየሎም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0