‘ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ከይትመልስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንዘራረብ ኣለና።’ ክብል UNHCR ሓቢሩ

Radio Erena: Friday, 30 June 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ከይመልሶም፣ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረብ ከምዘሎ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን፣ ብዛዕባ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምስጓግ ኤርትራውያን ብዝምልክተ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ‘ውን ብ28 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብልኩም ንዝበልዎም ኤርትራውያን ኣናገፈፉ ክኣስርዎም ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም፣ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 300 ካብኣቶም፣ ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ መሊሶሞም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ንምስጓግ እቶም ኤርትራውያን ክቓወም እንከሎ፣ ኣካል መንግስቲ ዝኾነ ትካል ስደተኛታትን ተመለስቲን እታ ሃገር(RSS) ግና፣ ካብቶም ዝተሰጎጉ ሓደው’ውን ይኹን ዝተመዝገበ ሓታቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛ ኣይነበርን ክብል’ዩ ሞጕቱ።

እንተኾነ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብዘይዝኾነ ሰነዳት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ከምዘለውን፣ ሓያሎ ካብኣቶም፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሉም ተባሂሎም ከምዝተገፈፉ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ የመልክቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኩሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ክምዝገቡ ዝሓለፍ ዓመት ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ 2018 ካብ ዝነበረ ኣገባባት፣ ብዝተፈልየ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ድሕሪ ‘ቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ብሕጋዊን ዘይሕጋዊን መንገዲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ምስበለ’ውን እንተኾነ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ብመንገዲ’ቲ ገና ተስፋ ሰላም ሓሪምዎ ዘሎ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ኣየቛረጹን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0