ፌስቲቫል ህግደፍ ኣብ ጊሰን ብሰንኪ ውሕስነት ጸጥታ ተሰሪዙ

Radio Erena: Thursday, 29 June 2023

ን7ን 8ን ሓምለ፣ ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ጊሰን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፌስቲቫል ህግደፍ፣ ውሕስነት ጸጥታኡ ክረጋገጽ ብዘይምኽኣሉ ከምዝተሰረዘ፣ ምምሕዳር እታ ከተማ፣ ሎሚ ሓሙስ 29 ሰነ፣ ኣፍሊጡ።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ፌስቲቫል ከይካይድ ዝኸልከለሉ ምኽንያት፣ ወደብቱ ውሕስነት ጸጥታ ከረጋግጹ ስለዘይክኣሉ ምዃኑ’ዩ ኣስሚርሉ።

እቲ ፌስቲቫል ንተሳተፍቱን፣ ህዝቢ እቲ ከባቢን ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል’ዩ ምምሕዳር ከተማ ጊሰን ዘመልክት።

ወደብቲ እቲ ፌስቲቫል፣ ውሕስነት ጸጥታ ዘረጋግጽ መርትዖ ብምቕራብ፣ እቲ ውሳኔ ዳግም ክርአ እንተሓቲቶም፣ ክካየድ ከምዝክእል ይሕበር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኤርትራውያንን፣ ኣብ ፌስቲቫል ጊሰን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተጎድኡ ይዝከር።

ኣብዚ ዓመት’ዚው’ን ክልትኦም ወገናት፣ ብህልኽን ናብ ጎነጽ ብዝዕድም ምትዅታዃትን፣ ነዚ ናይ ጊሰን ፌስቲቫል ክጽበይዎ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ምምሕዳር እታ ከተማ ብሰንኪ ውሕስነት ጸጥታ ከይካይድ’ዩ ወሲኑ ዘሎ።

ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝተጠርነፉ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ኤውሮጳ፣ ብህግደፍ ንዝውደብ ፌስቲቫላትን ካልእ ጽምብላትን ንምስንኻል ሓያሎ ምንቅስቓስ ከምዘካይዱ ይፍለጥ።

እዚ ናይ ጊሰን ፌስቲቫል ንኸይካየድ’ውን ‘ጥርናፈ ብርጌድ ንሓመዱ’ ምድላዋት ከካይድ ከምዝጸንሐ ይገልጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0