ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፣ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ወሲኑ

Radio Erena: Friday, 30 June 2023

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ንግዝያዊ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፣ ብተወሳኺ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ንግዝያዊ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ክሳብ 31 ታሕሳስ 2023 ክናዋሕ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ንዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ንምውህሃድን ምትሕብባርን ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ካብ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ካልኦት ሃገራትን ዝተዋጽአ፣ ልዕሊ 25 ሽሕ ብዝሒ ወትሃደርት ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2024 ካብ ሶማል ጠቕሊሉ ክወጽእ’ዩ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ።

ክሳብ ሽዑ ድማ መንግስቲ ሶማል ነቲ ብዝሒ’ቲ ዝትክእ ሰራዊት ክምልምልን ምድላዋቱ ከጻፍፍን ይሰርሕ ምህላዉ ይሕብር።

ኣብ ኣመሪካ፣ ናይ ነዊሕ መዓልታት ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምስ ሓለፍቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብምርኻብ ኣብ ዝዘተየሉ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ንመንግስቲ ሶማል ዝወሃብ ፖለቲካዊ ደገፍ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ንልዕሊ 30 ዓመታት ተነቢሩ ዘሎ ናይ ኣጽዋር እገዳ’ውን ክልዓለ ምጽውዑ ይዝከር።

ሶማል፣ ንዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝትክእ ብዝሒ ወትሃደራት ምምልማል ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኣልሸባብ ንምግጣም ዝበቅዕ ዘመናዊ ኣጽዋር’ውን ከምዘድልያ’ዩ እቲ መንግስቲ ዝምጉት።

እቲ ፕረዚደንት ኣትይዎ ብዘሎ መብጽዓ፣ ሶማል ክሳብ መወዳእታ 2024 ካብ ኣልሸባብ ጠቕሊላ ሓራ ከምእትኸውን’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0