ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓንቲ መርከብ ጨውዩ

Radio Erena: Wednesday, 22 November 2023

ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ ናይ የመን፣ ካብ ሄሊኮፕተር ወሪዶም ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ክጨውዩ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሖም።

እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብተለቪዥን ኣል ማሲራ ናይ ሑቲ ዝተዘርግሐ እዩ።

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ: እታ መርከብ ጋላክሲ ተባሂላ እትጽዋዕ ኮይና፣ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ከምዘለዋ ገሊጹ።

እስራኤል እታ መርከብ ናተይ ኣይኮነትን ክትብል እንከላ፣ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጃፓን ድማ ብኒፖን ዩሰን ከም እትመሓደር ገሊጹ።

ጃፓን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ብዓቢ ጃፓናዊ ኩባንያ መራኽብ ኒፖን ዩሰን እትመሓደር ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ብዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተታሕዘት፣ ድሕሪ’ቲ ብሰንበት ብሰራዊት እስራኤል ዝወጸ መግለጺ ሓቢራ።

ዋና ጸሓፊ ካቢነ ሚኒስተራት ሂሮካዙ ማትሱኖ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ “እታ ኒፖን ዩሰን ዘካይዳ ኣብ ባሃማስ ዝተመዝገበት ናይ ጽዕነት መካይን መርከብ ጋላክሲ ሊደር; ትማሊ ብዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ጥቓ የመን ናብ ደቡብ እናተጓዕዘት ከም ዝተታሕዘት ጸብጻባት በጺሑና” ኢሎም።

እቲ በዓል ስልጣን ኣብታ መርከብ ጃፓናውያን ሰራሕተኛታት ከምዘይነበሩ ኣረጋጊጹ።

እታ ብኒፖን ዩሰን እትፍለጥ መርከብ ብድምር 25 ሰራሕተኛታት ዝነበራ ኮይና፣ ኣባላታ ካብ ቡልጋርያ፣ ዩክሬን፣ ፊሊፒንስ፣ ሜክሲኮን ሮማንያን ዝመጹ እዮም።

ሑቲ ንኹለን ምስ እስራኤል ዝምድና ዘለወን መራኽብ ዒላማ ክንገብር ኢና ብምባል፣ ካልኦት ሃገራት ካብቲ ከባቢ ክወጻ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ፍጻሜ፣ ካልኦት ክልተ መራኽብ’ውን ብንግዲ ብሬይ ካር ካሪየርስ ከም ዝመሓደራ ዝተዘርዘራ፣ግሎቪስ ስታርን ሄርሜስ ሊደርን፣ ብሰንበት መስመራተን ከም ዝቐየራ ኩባንያ ጸጥታ ባሕሪ ብሪጣንያ ኣምብረይ ንሮይተርስ ገሊጹ።

መርከብ ሄርመስ ሊደር ፣ ሓድሽ መዕረፊ ኤኣይኤስ ኣብ ሃምባንቶታ ሲሪላንካ ብምርካብ ናብቲ ዝመጸትሉ ቦታ ንምምላስ ቀጺላ፣ ክብል ኣምብሬይ ሓቢሩ።

እታ መርከብ እንተወሓደ ንኣርባዕተ መዓልታት ንግዳዊ መሰናኽል ኣጋጢምዋ፣ ተወሳኺ ልዕሊ 3474 ኪ.ሜ ድማ ተጓዒዛ።

ግሎቪስ ስታር ድማ ጉዕዞኣ ቅድሚ ምቕጻላ ንብዙሕ ሰዓታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተንሳፈፈት ዳታ ምክትታል መራኽብ ኤኣይኤስ ብሰኑይ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፣ እታ መርከብ ናይ እስራኤል ከምዘይኮነትን እስራኤላውያን ሰራሕተኛታት ከምዘይነበራን ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ውን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ከምዝነበረ ይዝከር።

ሑቲ፣ “ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ዝተፈጸመ ተግባራት” ምላሽ ንምሃብ ነታ መርከብ ከም ከምዝጨወያ ኣፍሊጡ።

ስትራቴጃዊ ገማግም ተቆጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ሑቱ፣ ንግዳዊ መራኽብ ናብ ዝመላለሳሉ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዝሓለፈ ዓመት ሚሳይል ከምዝተኮሱ፣ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ወቒሶም ኔሮም።

ኣብቲ ግዜ ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ስሞም ንዘይገለጾም ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ሓይልታት ሑቲ፣ ናብቲ መዓልታዊ 10ታት ንግዳዊ መራኽብ ዝመላለሳሉ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ሚሳይል እኳ እንተተኮሰ፣ ዘውረዶ ዕንወት ኮነ መሰናኽል ግና ኣይነበረን።

ሑቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት እንተቐጺሉ፣ ነቲ ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ዝካየደሉ መስመር ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ከምዝኽእል፣ ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣታቶም ይገልጹ።

ሑቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕታት ከምዘካየደ ኣይርሳዕን።

መብዛሕትኡ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ልዕሊ 200 ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፣ ደቡባዊ ጫፉ፣ ማለት መሕለፊ ባብ ኤል-መንደብ ግን ካብ የመን ደሴት ማይዩን ሰጊርካ ናብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲን ኤርትራን 20 ኪ.ሜ ስፍሓት ጥራይ ኣለዎ።

ኣብ ዓመት ልዕሊ 17,000 መራኽብ ብእኡ ይሓልፋ።

እዚ ድማ ዳርጋ 50 ኣብ መዓልቲ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0