ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝቐጸለ ግጭት ብውሕዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 December 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ኪራሙ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ብ29 ሕዳር ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ 11 ሰባት ተቐቲሎም ክብል ዶቼቬሌ ብወገኑ ንናይ ዓይኒ መሰካኽር ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

እቶም ዕጡቓት ምስ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ዘካይድዎ ግጭት፣ ሞትን መቑሰልትን ሓያሎ ሰባት ከምዘስዓበ ዝገልጻ መርበባት ዜና እታ ሃገር ድማ፣ ኣሽሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ፣ ህይወቶም ንምድሓን፣ ቤቶም ራሕሪሖም ከምዝሃደሙ ኣገንዚበን።

መንግስቲ፣ ‘ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ -ሼኔ’ዮም’ እናበለ ዝገልጾም ዘሎ ዕጡቓት፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት የካይዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

እቶም ዕጡቓት፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር፣ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ፣ ሆሮጉድሩን ከተማ ነቐምትን፣ ሓያሎ ትካላት መንግስትን ናይ ወፍሪ ማእከላትን ኣጥቒዖም’ዮም።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ደው ንምባል ዝተኸተመ ስምምዕ ንምትግባሩ ዝልዓለ ኣተኩሮ ሂብሉ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ህይወት ኣማኢት ሰባት ዝቐትልን 10ታት ኣሽሓት ድማ ዘመዛብልን ዘሎ ግጭት ክልል ኦሮምያ ግን ጎስይዎ ከምዘሎ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ይነቕፉ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

 

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0