ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትዩ

Radio Erena: 04 December 2022

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትዩ።

ዊልያም ሩቶ ብቀዳም 3 ታሕሳስ ንግሆ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ዝተዓጀበ ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ተኻዪዱሉ።

ክልቲኦም ፕረዚደንታት ብዛዕባ’ቲ ኣብ መደብ ዘሎ፣ ንመላእ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘራኽብ ትሕተ ቅርጺ ክዝትዩ ትጽቢት ከምዝግበር፣ ካብ ከተማ ጁባ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ብ Lapsset Corridor Program ዝፍለጥ መደብ ኣብ መፈለምትኡ ኣብ መንጎ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዕንቅፋት ዘይብሉ መስመር ንምኽፋት ዝዓለመ ኮይኑ፣ ናይ ሰብን ንብረትን መጎዓዝያ ኣገልግሎት ክህብ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።

እቲ መደብ ዕዉት እንተደኣ ኮይኑ፣ 160 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ’ቲ ከባቢ ተረባሒ ክኸውን እዩ። ፕረዚደንት ሩቶ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ናብ ደቡብ ሱዳን ክገይሽ እዚ ናይ መጀመሪያ ግዚኡ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0