ኡጋንዳ፣ ዓመታዊ 46 ሽሕ ቆልዑ ብቐሊሉ ክፍወስ ብዝኽእሉ ሕማማት ከምዝሞቱ ዩኒሴፍ ገሊጹ

Radio Erena: 02 December 2022

ኣብ ኡጋንዳ፣ ዓመታዊ ኣስታት 46 ሽሕ ቆልዑ፣ ብቐሊሉ ክፍወስ ብዝኽእል ሕማማት ከምዝሞቱ ምወላ ሕቡራት ሃገራት ንቖልዑ – UNICEF ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ኡጋንዳ መጠን ክታበት እናንቖልቖለ ምምጽኡ ሓደ ጠንቒ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝምዝገብ ዘሎ ብዝሒ ሞት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ምስ ኤችኣይቪ-ኤይድስ ካብ ዝነብሩ ኣስታት 88 ሽሕ ቆልዑ፣ እቶም 32% ተጻዋርነት ዋህዮታት ዘዕቢ መድሃኒታት ከምዘይወስዱ ኣብቲ ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ጽሩይ ዝስተ ማይን መኣዛዊ መግብታትን ክቕርብ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ብዘይ ሓገዝ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝውለዱ ቆልዑ’ውን ንኣሃዝ እቲ ሞት ካብ ዘዛየዱ ረቛሒታት’ዩ።

መዓልታዊ 57 ህጻናት ኣብ እዋን ወሊድ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር የመልክት።

እዚ ድማ ብገምጋም ኣብ ዓመት ኣስታት 20, 800 ህጻናት ክውለዱ እንከለዉ ስለዝሞቱ፣ ንኣስታት 48% ናይቲ ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ዝምዝገብ ዘሎ መጠን ሞት ቆልዑ ይሽፍን።

ኡጋንዳ፣ በዚ ዓመታዊ ተመዝግቦ ዘላ ብዝሒ ሞት ቆልዑ፣ ኣብ ዓለም ምስ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0