ጉጅለ ሓሙሽተ ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ጸጥታ እቲ ዞባን ዘትዩ

Radio Erena: Tuesday 06 , February 2024

ንሶማል፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቀጠር፣ ቱርኪ፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝሓቖፈ ጉጅለ ሓሙሽተ ሃገራት፣ ኣብ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ጸጥታ እቲ ዞባን ብምትኳር ዘትዩ።

እቲ ንመበል ሓሙሻይ ዓመቱ ዝተጋብአ ዋዕላ ኣብ ርግኣትን ብልጽግናን ሶማል ዘተኮረዩ ኔሩ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣቡዳቢ ዝተኻየደ ዘተ፣ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣንጻር ሽበራ ዝተኻየደ ሓባራዊ ቃልሲን ዓወታቱን ክዕቀብ እንተኾይኑ፣ ሉኣላውነት ሶማልን ግዝኣታዊ ሓድነት ከምኡ ድማ መሬታዊ ውህደታ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን፣ ኣብ ዋንነት ባሕሪ ኣተኵረን ዝኸተምኦ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ዝፈታተንን፣ ንሽበራ ዝዕድምን ምዃኑዩ መንግስቲ ሶማል ዝቓወም።

ኣመሪካ፣ ነቲ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጢ ናይ ምህዋብ ውሳኔ ዘለዎ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ክትነጽጎ እንከላ፣ ምስታ ርእሰ ምምሕዳር ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ናይ ወደብ ስምምዓት ዘለዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግና መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ጉጅለ ሓሙሽተ ሃገራት፣ ኣብ ሶማል ምርግጋእን ሕውየትን ንምፍጣር ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ጻዕሪ ዝነጥፋ ሃገራት ዝሓቖፈዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0