ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena:Friday, 25 August 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣብ ዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት ከምዝሃድአ እኳ ይግለጽ እንተሎ፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ግና ይቕጽል ምህላዉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ እነማይ ኣብ እትርከብ ከተማ ቢቸና ንሳልስቲ ኣብ ዝቐጸለ ግጭት ብውሕዱ ሸሞንተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ዶቸ ቬለ ጠቒሱ።

ዝበዝሓ ከተማታት ክልል ኣምሓራ፣ ጸጥታኣን ናብ ንቡር ስለዝተመልሰ፣ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብስሩዕ ይጅምር ምህላዉ ዝጠቐሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ኣብቲ ክልል ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝልዓለ ክቕጽሎ ምዃኑ፣ ብ22 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሚሊሻታት ኣምሓራን ዕጡቓት ፋኖን ካብ ዝበዝሓ እተን ንሒደት መዓልታት ተቖጻጺሮመን ዝነበሩ ከተማታት እኳ እንተወጹ፣ ኣብ ገጠራት ናይቲ ክልል ፋሕ ኢሎም ብምህላዎም፣ ዳግማይ ብምውድዳብ ስግኣት ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝጥቐስ።

እቶም ሚሊሻታትን ፋኖን ተበታቲኖምሉ ከምዘለዉ ኣብ ዝግለጽ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ምንቅስቓስ ናይ ባንክ ገንዘብ ይኹን ካልእ ኣገልግሎታት ደው ኢሉ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የረድኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0