ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ ንዝተፈጸመላ ኒጀር ካብ ኣባልነቱ ኣደስኪሉ

Radio Erena:Friday, 25 August 2023

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኒጀር፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ዝተኣልየ ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክሳብ ዝምለስ፣ ካብ ኣባልነቱ ከምዘደስከላ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ብተወሳኺ፣ ኣብ ኒጀር ከጋጥም ንዝኽእል ኩነታት፣ ኣብ ተጠንቀቕ ዝጸንሕ ሓይሊ ምድላው ብዛዕባ ዘድልየሉ ተኽእሎታት የጽንዕን ይግምግምን ምህላዉ ገሊጹ።

ብሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝቖመ ዞባዊ ሓይሊ ኤኮዋስ ብወገኑ፣ ብጀነራል ዓብዱራሕማን ቲያኒ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ስልጣኑ ነቲ ብዕልዋ ዝተኣልየ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም እንተዘየረኪቡ፣ ወትሃደራዊ ምትእትታው ክፍጽም ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣብ 26 ሓምለ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት መሓሙድ ባዙም ኣብ ቀይዲ’ዩ ዝርከብ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ዝኽሰት ዘሎ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ብኢድ ኣዙር ንዝፍጸም ሰንሰለት መግዛእቲ ብፍላይ ድማ ምትእትታው ፈረንሳ ንምብታኽ ዝዓለም’ዩ ዝብሃል እኳ እንተኾነ፣ ነተን ድሮ ብድኽነት ክሕመሳ ዝጸንሓ ሃገራት እቲ ዞባ ግና ናብ ዝበኣሰ ምልኪ፣ ተነጽሎን ግጭታትን ከየውድቐን የስግእ።

ካብ 2020 ኣትሒዙ፣ ኣብ ማሊ፣ ጊኒ፣ ቡርኪናፋሶ ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ኒጀር ዘጋጠመ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ነተን ኣብ ሰንኮፍ ጸጥታ ዝርከባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ከም ቻድን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ’ውን ከይጸሉ የስግእ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0