ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ ጎንደር፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ዳግም ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Wednesday,27 September 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ጎንደር፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ዳግም ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብሰንኪ ‘ቲ ካብ 24 መስከረም ኣትሒዙ ኣብታ ከተማ ዝተወልዐ ግጭት፣ ምንቅስቓስ ህዝቢን ንግዳዊ ንጥፈታትን እታ ከተማ ተሰናኺሉ ከምዘሎ ኣሶሸትድ ፕረስ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ብዝተወልዐ ግጭት ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ይርከብ።

ሰራዊት መንግስቲ፣ ‘ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ’ ኣብ ዝሰመዮ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ንዕጡቓት ፋኖ ንሒደት መዓልታት ተቖጻጺሮሞ ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ እኳ እንተውጽኦም፣ ጸጥታ ምሉእ ብምሉእ ከውሕስ ኣይከኣለን።

ዕጡቓት ፋኖ፣ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ድሕሪ ምውጽኦም፣ ኣብ ገጠራት ናይቲ ክልል ዳግመ ምውዳብ ብምክያድ፣ በብእዋኑ መጥቓዕቲ ይፍንዉ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሑ፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን፣ ኣብ ሕዳር 2022 ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ምስ ኵናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ዓጡቖም ዝነበሩ ሚሊሻታት ኣምሓራን ፋኖን ዕጥቖም ክፈትሑ ድሕሪ ዝተዋህቦም ትእዛዝ’ዩ፣ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ምትፍናን ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ምሉእ ግጭት ዓሪጉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0