እስራኤል፣ ሓደ ኤርትራዊ ብኻራ ተቐቲሉ

Radio Erena: Wednesday, 27 September 2023

ኣብ እስራኤል፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደብ ደለይቲ ለውጢን ዝተጎሃሃረ ጎነጽ፣ ኣብ ክልቲኦም ወገን ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብዘሎ እዋን፣ ሓደ ኤርትራዊ ብኻራ ከምዝትቐትለ መርበብ ዜና ሃረጽ ሓቢሩ፡

እቲ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ ናብ 26 መስከረም ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተቐትለ ኤርትራዊ፣ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዝቓወሙ ምንባሩ’ዩ ተሓቢሩ።

ፖሊስ፣ ናይ ጎደና ካሜራታት ብዝሰነድኦ ኣሳእል ተሰንዩ፣ ንቐተልቲ ይሃድን ምህላዉ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

ኣብ እስርኤል፣ ኤምባሲ ኤርትራብ 02 መስከረም ንዝወደቦ ፌስቲቫል ደው ንምባል ወይ ንምብታን፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ደለይቲ ለውጢን ብዝተኻየደ ጎነጽ ፖሊስ ዝርከብዎም ልዕሊ 115 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ እስራኤል ነቲ ኩነታት የጻርን፣ ብገበን ክሓቶም ንዝኽእል ድማ ይምርምርን ምህላዉ ‘ዩ ዝግለጽ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ናዕብን ዕግርግርን ዝተሳተፉ ኤርትራውያን፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ሰሙን ማእሰርቲ ክወጽኡ እንከለው፣ ጉዳዮም ኣብ መርመራ ዝርከብ ግና ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ቀይዲ ይርከቡ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ፣ ዑቕባ ዘሕትት ምኽንያት ስልዘይብሎም ናብ ዓዶም ክጥርዞም ምዃኑ’ዩ ኣጠንቂቑ።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0