ኢትዮጵያ፣ ኣብ ማእከል ጎንደር ብዝተወልዐ ግጭት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ማእከል ጎንደር ብዝተወልዐ ግጭት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 December 2018

Gondar clashes

ኢትዮጵያ ብናይ ብሄር ግጭታት ኣብ እትሕመሰሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ማእከል ጎንደር፣ ብዝተወልዐ ቶኵሲ ኣብ ሰበን ንብረትን ጉድኣት በጺሑ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝዘርግሐኦ ሓበሬታ፣ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ሸሞንተ ድማ ቆሲሎም ኣለው።

ብዘይካ’ዚ፣ ሓያሎ ኣባይትን ትካላትን ኣበቲ ግጭት ተቓጺሎም።

ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ 49 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ዝሓበራ እተን ማዕከናት ዜና፣ እቲ ናዕቢ ናብ ካልእ ከባቢታት ከይልሕም ሓይልታት ጸጥታ ብዝልዓለ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ስእሊ፣-ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0