ስድራቤት ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ኣብ ፈረንሳ ዘለዎም ሃብቲ ምጽራይ ይካየደሉ ኣሎ

ስድራቤት ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ኣብ ፈረንሳ ዘለዎም ሃብቲ ምጽራይ ይካየደሉ ኣሎ

Radio Erena: 04 December 2018

Guelles wifeስድራቤት ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ሃብቶም ምጽራይ ይካየደሉ ኣሎ።

ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ምጽራይ ከካይዶ ምዃኑ ዝሓበረት ጋዜጣ ለ ሞንድ፣ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ሸርፓ ዝተባህለ ትካል ተጣበቒ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ማሕበር ኣብ ወጻኢ ናይ ዝርከቡ ጅቡታውያን ብምዃን ድሕሪ ዘቕረብዎ ክሲ’ዩ እቲ መስርሕ ተጀሚሩ ዘሎ።

በዓልቲ ቤት ናይቲ ን19 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ካድራ ሃይድን ሰብኣይ ጓሉ ቶሚ ታያሮ ኒኮስን ኣብ ማእከል ከተማ ፓሪስ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ውቁብ ቪላታትን ካልእ ሃብትን ከምዝውንኑ’ዩ ብመርትዖ ቀሪቡ ዘሎ።

ኣባላት ስድራ ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ብዘለዎም ወርሓዊ ደሞዝ፣ ነዚ ሚልዮናት ኤውሮ ዝተገመተ ቪላታትን ካልእ ሃብትን ከጥርይዎ ከምዘይክእሉ ዘመልክት እቲ ዝቐረበ ክሲ፣ ምጥፍፋእ ሃብቲ ሃገርን ብልሽውናን ተፈጺሙ ምህላዉ’ዩ ዝወቅስ።

ቤት ጽሕፈት እኽባር ሕጊ ከተማ ፓሪስ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ፕረዚደንት ጅቡቲ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲን ናይ ምጽራይ መስርሕ ብዝምልከት ካብ ካብ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ንዝቐርበሉ ዘሎ ሕቶታት፣ ዛጊት ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣብ 2017’ውን፣ ን39 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግን ስድራቤቱን፣ ተመሳሳሊ ክሲ ተመስሪትሉ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

ፕረዚደንት ቴዶር ኦብያንግን ስድራቤቱን፣ ቪላታት፣ ክቡራት መካይንን፣ ከም ወርቅን ኣልማዝን ዝኣመሰለ መጋየጺታት ዘጠቓለለ ኣስታት 30 ሚልዮን ኤውሮ ዝግመት ሃብቲ ኣብ ፈረንሳ ከምዘለዎም’ዩ ዝግለጽ።

ዝተፈላለዩ ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፈረንሳ፣ ኣቐዲሞም ኣብ ልዕሊ ስድራቤት መራሕቲ ኮንጎ ብራዛቪል፣ ጋቦንን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን፣ ተመሳሳሊ ናይ ብልሽውናን ምጥፍፋእ ሃብቲ ሃገርን ክስታት ኣቕሪቦም ከምዘለዉ ጸብጻብ ለ ሞንድ የመልክት።

ብብልሽውናን ምጥፍፋእ ሃብቲ ሃገርን ዝኽሰሱ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ከም ፓሪስን ለንደንን ዝኣመሰላ ከተማታት፣ ብስም ኣባላት ስድራቤቶም ውቁብ ኣባይቲ ክውንኑ እንከለዉ፣ ኣብ ባንክታት ስዊስ፣ ሆንኮንግን ካልኦትን’ውን ሚልዮናት ዝግመት ኤውሮ ብሕቡእ ከምዘቕምጡ ብተደጋጋሚ ይዝረብ።

========================= 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0