ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ትበጽሕ

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ትበጽሕ

Radio Erena: 05 December 2018

Emmanuella Del Re

ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ኤማኑኤላ ዴል ረ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ጅቡትን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ዕላማ ዑደት ‘ቲ በታ ምክልትል ሚኒስተር ዝተመርሐ ልኡኽ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ምስ ‘ዘን ሃገራት ክገብሮ ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ንምዝታይ ዘተኮረ’ዩ።

ምክትል ሚኒስተር ኤማኑኤል ትማሊ 4 ታሕሳስ ናብ ኣስመራ ዝኣተወትሉ፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምዝርራብ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተሳቲፋን ዑደት ኣካይዳን።

ብመሰረት ዜና ኣጃንዝያ ኖቫ፣ ንሳ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምብጋሳ፣ ሎሚ 5 ታሕሳስ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝነብሩ ማሕበረ ሰብ ኢጣልያን ወነንቲ ኢጣልያውያን ትካላትን ክትዝቲ’ያ።

ኢጣልያ፣ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስዘን ሃገራት ምትሕግጋዝ ዝተመርኮሰ ምምኻርን ዘተን ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣቐዲሙ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምብጽጻሕ ብምክያድ ምስ መራሕተን ክዘራረብ እንከሎ፣ ንፕረዚደንት ሶማል ከኣ ናብ ሮማ ከምዝዓደሞ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0