ኢትዮጵያ፣ ሓድሽ ኣብ ዝቖመ ክልል ማእከላዊ ብዝተጓሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Tuesday, 17 October 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሓድሽ ኣብ ዝቖመ ክልል ማእከላዊ፣ ኣብ ዞባ ጉራጌ፣ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ተሓቢሩ።

እቲ ካብ 14 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ዝተወልዐ ግጭት፣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ወልቒጤን ከባቢኣን ምዃኑ ዝሓበራ መርበባት ዜና ኢትዮጵያ ኣረጋጊጸን።

በቲ ግጭት ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ዝሓበረ ናይ ጸጥታ እዚ ናይቲ ክልል፣ ካብ ሰዓት 5 ናይ ምሽት ክሳብ ሸውዓተ ንግሆ፣ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ ኣሎ።

እቲ እዚ፣ ብዝሒ በቲ ግጭት ናይ ዝተጎድኡ ሰባት ይኹን ኣብ ንብረት ዝበጽሐ ዕንወት ብዝርዝር ኣይገለጸን።

ክልል ማእከላዊ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2023’ዩ ብወግዒ ቆይሙ።

እንተኾነ ኣብቲ ሓድሽ ዝቖመ ክልል፣ ብኡን ንብኡ፣ ምስ ብሄርን ዋንነት መሬትን ተተሓሒዙ ምትፍናንን ግጭትን’ዩ ኣስዒቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘለዋ 12 ክልላት ዳርጋ ኣብ ኩለን ምስ ብሄርን ዋንነት መሬትን ብዝተሓሓዝ ግጭታት ይካይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0