ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ድሕሪ ምስታፎም፣ ዕረፍቲ ተዋሂብዎም ናብ ኣሃዱታቶም ዘይተመልሱ ኣባላት ሰራዊት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ይእሰሩ

Radio Erena: Tuesday, 17 October 2023

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ተሳቲፎም፡ ዕረፍቲ ተዋሂብዎ ካልኣይ ግዜ ናብ ኣሃድኦም ዘይተመልሱ ኣባላት ሰራዊት፣ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ይብይነሎም ከምዘሎ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

መብዛሕቶም ‘ቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ሰራዊት፣ ናብ ኣሃዱታቶም ዘይተመልስሉ ምኽንያት ‘ካብ ክድዓት ዘይፍለ’ዩ’ ዝብል ክሲን ወቐሳን ከምዝቐረበሎም ‘ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ እቶም ዝበዝሑ፣ ብዘይኣላዩ ሓዲጎሞ ንዝኸዱ ቤትኖም ንብረቶም ንምእላይ፣ ሕርሻታቶም ጥሪቶምን ንምክትታልን ነናብ ገዝኦም ዝኸዱ ምዃኖም ‘ዩ ዝግለጽ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ብግፋን ካልእ ናይ ክተት ጻውዒትን፣ ኣረጋውያን ከይተረፈ ናብ ግንባራት ዘውድር ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ደቆም ዘየረከቡ ይኹን ዝምልከቶም ባዕላቶም ዘይተረኽቡ ወለዲ፣ ገዛውቶም ይዕሽግን ጥሪቶምን ካልእ ንብረቶም ይሕይርን ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ድሕሪ ምዝዛሙ’ውን፣ ሰራዊት ናይ ምፍናው ይኹን ስድራ ስውኣት ናይ ምርዳእ መስርሕ ኣይጀመረን።

ብሰንኪ’ቲ እባ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት፣ ሃለዋት ደቆምን መቕርበቶም ዘይረኸቡ 10ታት ኣሽሓት ስድራቤታት ኤርትራ፣ ሕጂ ኸ መን’ዩ ክርዳእ ኣብ ዝብል ሻቕሎትን ሓዘንን ተዋሒጦም ምህላዎም ካብ ውሽጢ ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታት የመልክት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0