ሱዳን፣ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ ተቐቲሉ

Radio Erena: Tuesday, 17 October 2023

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ፈጣን ሓይልታትን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ከምዝተቐትለ ተሓቢሩ።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት፣ ኣብ ደቡብ ካርቱም ንዝርከብ፣ ማእከላይ እዚ ከቢድ ብረት፣ ብ15 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዘካየድዎ ደብዳብ’ዩ፣ ሜጀር ጀነራል ኣዪብ ዓብደልቓድር ከምዝትለ ዝግለጽ ዘሎ።

ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ጀነራል ኣዪብ፣ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ዞባ ሰናር ተዋፊሩ ዝርከብ ክፍለ ሰራዊት 17’ዩ።

ምስቲ ጀነራል ዝነበሩ ሓያሎ መኮንናት’ውን በቲ ብከቢድ ብረት ዝተኻየደ ደብዳብ ከምዝተቐትሉ ‘ዩ ዝጥቐስ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብ ዞባ ሰናርን ብሉ ናይልን ንዝርከቡ ዕጡቓት ብምጥርናፍ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ብምስላፍ’ዩ ኣንጻር ፈጥእን ሓይልታት መሪሑ ክዋጋእ ጸኒሑ።
ፈጣን ሓይልታት ብወገኑ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ በዚ ጀነራል ዝምራሕ እዚ ተደጋጋሚ ናይ ኣጋር መጥቃዕታት ብምክያድ፣ ከቢድ ጸቕጢ ክገብረሉ ምጽንሑ ጸብጻባት ሱዳን ይሕብሩ።

ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ካርቱም ኣብ ትሕቲኡ ኣእትዉ ከምዘሎ ዝንገረሉ ፈጣን ሓይልታት፣ ድሕሪ ሞት ሓደ ካብ ወሰንቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ’ውን ተወሳኺ ከባቢታት ክቖጻጸር ከምዝኽእል ይግመት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0