ኢትዮጵያ፡ ዝቐረበላ ክሲ ዓሌት ምጽናት ነጺጋ

Radio Erena: Thursday 08 June 2023

ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዓሌታዊ ናይ ምጽናት ተግባራት ትፍጽም ምህልዋ፣ ብሁዩማን ራይትስ ዎች ንዝቐረበላ ክሲ ነጺጋ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ተወላዶ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌታዊ ምጽናት ኣመልኪቱ በቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበ ዝርዝራዊ ጸብጻብ፡ ዝተፈብረኸን ዝተሰነዐን’ዩ ብምባል ከምዘይትቕበሎ ተቓዊሙ።

እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ፡ እቲ ትካል፡ ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምስሳይ ዘዳለዎ ዝተዳለወ ምዃኑ’ዩ ነቒፉ።

ብ 01 ሰነ ዝወጸ ጸብጻብ ሂማን ራይትስ ዎች፡ ምጽናት ዓሌት፡ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ጎነጻዊ ምብራር ተወላዶ ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ፍጻሜታት ከምዝተሰነዱ ብምምልካት፣ ፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ከብሎን ክምርምሮን፣ ነቲ ገበናት ዝፈጸሞ ድማ ናብ ሕጊ ከቕርብን’ዩ ጸዊዑ።

ቅድሚ ሕጂ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኸሰሱ ኮረኔል ደመቀ ዘውዱን በላይ ኣያሌውን ዝተባህሉ ተወላዶ ኣምሓራ፣ ነቲ ገበናት ይፍጽምዎ ምህላዎምን ዘነጸረ እቲ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ከብሎም ተማሕጺኑ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰሉስ 06 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ንዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላምን ዳግመ ሕውየትን መስርሕ ዝዕንቅፍን ኣብ መንጎ ህዝብታት ግጭት ንምፍጣር ዝሃቀነን ብምባል ነጺግዎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሁዩማን ራይትስ ዎጽ ዝቐረበሉ ክሲ ናይ መጀመርታ ከም ዘይኮነ ዝጠቕሱ ተዓዘብቲ ብወገኖም፡ ኣብቲ ክልል ብዝተፈላለዩ ወገናት ንዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ገበናት ንምጽራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕቱብ ስጉምቲ ክወስድ የዘኻኽሩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0