ስዊዘርላንድ፣ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስጓግ ዝቐረበ እማመ ተቐባልነት ረኺቡ

Radio Erena: Thursday 08 June 2023

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክስጎጉ ንዝብል እማመ፣ ብቤት ምኽሪ ካንቶናት ወይ ዞባታት ተቐባልነት ረኺቡ::

እቲ ብኣባል ሊበራላዊ ኣኽራሪ ሰልፊ፣ ቤት ምኽሪ ካንቶን ሉሰርን፣ ዳሜን ሙለር ዘቕረቦ፣ እማመ ንምድጋፍ ወይ ንምቛም፣ ብሰኑይ 05 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ’ዩ ብቤት ምኽሪ ካንቶናት ተቐባልነት ረኺቡ::

ኣብቲ መስርሕ፣ 20 ኣባላት ቤት ምኽሪ ካንቶና ናይ ደገፍ ድምጺ ክህቡ እንከለዉ፣ 18 ድማ ተቓዊሞም።
5 ኣባላት ግና ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።

እቲ ብቤት ምኽሪ ካንቶናት ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ እማመ፣ ናብ ግብሪ ክሰጋገር እንተኾኑ፣ ካብ ቤት ምኽሪ ፈደራል ስዊዘርላንድ፣ ናይ መወዳእታ ድምጺ ክወሃቦ ኣለዎ።

እቲ ናይ ፈተነ መደብ ምዃኑ ዝተገልጸ እማመ፣ ኤርትራውያን ዝስጎጉላ ሳልሰይቲ ሃገር ኣየነጸረን።

ነቲ እማመ ዝተቓወመት ኣባል ቀጠልያ ሰልፊ ካንቶን ጀኔቫ፣ ጉዳይ ኤርትራውያን ካብ 2017 ኣትሒዙ ቀዳምነት ከይተዋህቦ ምጽንሑ ብምዝክኻር፣ ብፍላይ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ዝተወልዱ ህጻናት ጉዳይ ዕሽሽ ከይብሃል መጕታ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዘይድሌቶም ንዝስጎጉ ዜጋታቱ ዘይቕበል ብምዃኑ፣ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕቦኦም ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክትሰዶም ኣለዋ ክብል’ዩ ዳሜን ሙለር ዝገልጽ።

ንሱ፣ እቶም ብዘይ ሕጋዊ መበሪ ፍቓድ ሓዲግ ዝተረፉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓገዝ እናተናበሩ፣ ሃብቲ ሃገር የህልኹን ዕድል ካልኦት ይዓግቱን ምህላዎም የማርር።

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 336 ኤርትራውያን፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ተቐባልነት ስኢኑ፣ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ከምዘሎ፣ ጽብጻብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን እታ ሃገር ይሕብር።

ስዊዘርላንድ ነዚ እማመ እዚ እተቕርብ ዘላ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወሰደቶ ተበግሶ ከም ኣብነት ብምውካስ ምዃና’ዩ ዝግለጽ።

ብዘይካ ስዊዘርላንድ፣ ብሪጣንያን ዴንማርክን’ውን ተመሳሳሊ መደባት ንምትግባር፣ ናብ ካብ እስራኤል ተሰጕጎም ንዝመጽእዋ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን ዝተቐበለት ርዋንዳ የማዕድዋ ምህላወን ይጥቐስ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0