ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኲናት ‘ታ ሃገር ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበራ ድሮናት ዘፍሪ ኩባንያ ቱርኪ ዝልዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂባ

Radio Erena: Thursday, 21 December 2023

መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ባይካር ንዝተባህለ ድሮናት ዘፍሪ ኩባንያ ቱርኪ ዝልዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ከምዝሃበ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ዋና አካያዲ ስራሕ ናይቲ ድሮን ዘፍሪ ኩባንያ፣ ብምኽንያት ምምስራት 88 ዓመት ምምስራት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዳለወ ጽምብል’ዩ ነቲ ሽልማት ካብ ኢድ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር፤ ልዪተና ጀነራል ይልማ መደርሳን ተቐቢልዎ።

ብመሰረት መርበባት ዜና ቲርኪ፣ ኢትዬጵያ ነዚ ክብሪ’ዚ ንወጻእተኛታት ክተዕድሎ ንመጀመርያ እዋና’ዩ።

ናይ ብሕቲ ምዃኑ ዝግለጽ ባይካር፡ ኣብ ኲናት ዝዋፈራ ድሮናት ብምፍራይ ዝተፈልጠ ኩባንያ’ዩ።

ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ይኹን፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍርያት ቱርኪ ዝኾና፡ ባይራክታር TB2 ዝተሰምያ ድሮናት ከምዘዋፈረ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን ዝተፈላለይ ወትሃደራዊ ድግፍ ይርከብ ምንባሩ’ውን ይጥቀስ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ጽምብል መበል 88 ዓመት ምምስራት ሓይሊ ኣየር’ውን፡ ነፈርቲ ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምዕዳም ምርኢት ኣካይዱ’ዩ።
=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0