ካናዳ፣ ኣብ ከተማ ካልጋሪ፡ ተወሰኽቲ 06 ኤርትራውያን ብኽሲ ረብሻ ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: Friday, 22 December 2023

ኣብ ካናዳ፣ካልጋሪ፣ ኣብቲ ብ2 መስከረም ዘጋጠመ ባእሲ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢን፣ ብረብሻ ጸጥታ ዝኸሰሶም ተወሰኽቲ 6 ኤርትራውያን ከምዝቐየደ ፖሊስ ካልጋሪ ትማሊ ሓሙስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ካልጋሪ ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ውን ብተመሳሳሊ ክሲ 21 ኤርትራውያን ድሕሪ ምቕያዱ፣ ብድምር 27 ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝርከቡ ገሊጹ።

ነፍሲ ወከፎም ብገበን ናዕቢን ሓደገኛ መሳርሒ ብምሓዝን ተኸሲሶም ን14 ለካቲት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ካልጋሪ ሄራልድ ገሊጻ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን 27 ክኾኑ እንከለዉ፣ ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር 59 ገበናዊ ክስታት ቀሪብሎም ኣሎ።

ፖሊስ ምስቲ ባእሲ ብዝተኣሳሰር 13 ሰባት ንምርካብ ገና ይጽዕር ኣሎ።

ነቲ ናይ 2 መስከረም ፍጻሜ፣’ ኣብ ታሪኽ ከተማ ካልጋሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ባእሲ’ ኢሉ ዝገለጾ ሓላፊ ፖሊስ እታ ከተማ ስኮት ቦይድ፣ኣባላቱ ኣብ ቦታ ፍጻሜ ተረኺቦም፣ ነቲ ባእሲ ብምትህድዳእ ኣብ እዋኑ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከይዘይቀየዱ ንፖስትሚድያ ገሊጹ ኔሩ።

መዝነት ፖሊስ ጸጥታ ምኽባር እምበር ፖለቲካዊ ጸግዒ ምሓዝ ዘይምዃኑ ዝገለጸ ቦይድ፡ ከምዚ ዓይነት ጎነጽን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምስዓብን፡ ምስቲ ንቡር ደሞክራስያዊ ኣገባብ ተቓውሞ ዚጻረር ምዃኑን ኣብታ ከተማ’ውን ቦታ ከምዘይብሉን ኣስሚሩሉ።

ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣንጻር ፌስቲቫላትን ምትእኽኻባትን ደገፍቲ ህግደፍ ዘካየድዎ ዘሎ ተቓውሞታት፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ዘለዎም ተሪር ተቓውሞ ዘጉልሕ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘለዎ ሃገራት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ጎነጽን ምቅትታልን፣ ነቲ ለውጢ ዝጠልብ ድሌታት ብኣሉታ ከይጸሉ የስግእ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0