ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ደቡባዊ ምዕራብ፡ ተላባዒ ሕማማት ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኮይኑ ተባሂሉ

Radio Erena: Tuesday, 05 December 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ደቡባዊ ምዕራብ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ተላባዒ ሕማማት፡ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።

ዘ ሪፖርተር፤ ንመግለጺ መንግስቲ ናይቲ ሓድሽ ዝቖመ ክልል ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፡ ብሰንኪ ‘ቲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ዝበሎ ከም ዓሶ፡ ንፍዮ፡ ሸሮኽን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማትን፡ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ኣስሚርሉ።

ሆስፒታላት እኹል መድሃኒታት ይኹን ናውቲ ሕክምና ከምዘይብለን ዘመልከተ እቲ ክልል፡ ኣብ ዞባ ኦሞ ጥራይ፡ ብሰንኪ ንፍዮ ተወጺዖም ናብ ማእከል ሕክምና ዝመጹ 11 ቆልዑ ከምዝሞቱ ኣተሓሳሲቡ።

ብዓሶ ተታሒዞም ናብ ሆስፒታል ካብ ዝመጹ ድማ 40 ሰባት ሙሟቶም ቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

እዚ ኣሃዝ’ዚ ነቶም ኣብ ሆስፒታላት ወይ ማእከላት ጥዕና ከይበጽሑ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ኣየጠቓልልን’ዩ።

ኣብ ዞባ ኦሞ ዝርከብ መባእታዊ ሆስፒታል፡ መዓልታዊ ብተመሳሳሊ ሕማማት ዝተጠቕዑ ኣስታት 30 ሰባት ይቕበል እኳ እንተሎ፡ ኣገልግሎት ክህቦም ዓቕሚ ከምዝሓጽሮ’ዩ ዝጠቕስ።

እቲ ሆስፒታል፡ ን33 ተኣለይቲ ሕሙማት ጥራይ ከደቅስ ዝኽእል ዓራውቲ ከምዘለው ብምሕባር ድማ ቲ ዝግባእ ቁጽሪ ግና ልሊ 300 ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕማም ሸሮኽ’ውን ኣብ ሓያሎ ክልላት እታ ሃገር የስፋሕፍሕ ምህላዉን ዛጊት ኣሚት ሰባት ከምዝቐተለን’ዩ ዝሕበር።

ስእሊ፡ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0