ሶማል፡ ን30 ዓመታት ተነቢሩላ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ተላዒሉ

Radio Erena: Tuesday, 05 December 2023

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 1992 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሶማል ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣልዒሉ።

እቲ ካብ ባሕቲ ታሕሳስ ኣትሒዙ ተላዒሉ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር፡ መንግስቲ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ከበድቲ ኣጽዋራት ክሽምት ይኹን ብሓገዝ ክረክብ ከኽእሎ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ምልዓሉ፡ ሩፍታ ዝፈጥርን ሃገራዊ ድሕነት ሶማል ኣብ ምውሓስ ኣገዳስን’ዩ ክብል መንግስቲ ሶማል ገሊጹ።

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት፡ ብድምር ልዕሊ 20ሽሕ ወትሃደራት ኣብ ምስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ሶማል፡ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ፈሪሱ ዝጸንሐ ሃገራዊ ሰራዊት ዳግም ኣብ ምህናጽ ተጸሚዱ ይርከብ።

እቲ መንግስቲ፡ ምስ ምልዓል እገዳ ተተሓሒዙ፡ ብዘይካ ከተግብሮ ዝኽእል ሸመተ ታንክታትን ከበድቲ ብረታትን፡ ነፈርቲን መራኽብን ኲናት ንምውፋር ዝዓለመ’ውን ስልጠናታት ሓይልታት ኣየርን ባሕርን የካይድ ኣሎ።

ስእሊ፡ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0