ክሊ ኣየር ሱዳን፤ ካብ ነፈርቲ ናጻ ዝኾነሉ ግዜ ክሳብ 10 ሓምለ ክጸንዕ እዩ

Radio Erena: Sunday, 02 July 2023
በዓል መዚ ኣቭየሽን ሱዳን፣ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ካብ ነፈርቲ ናጻ ክኸውን ንዘሕለፎ ውሳኔ፣ ክሳብ 10 ሓምለ ክናዋሕ ወሲኑ።
ኣቭየሽን ሱዳን፣ ብዓርቢ 30 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ክሊ ኣየር ሱዳን፣ ብዘይካ ንህጹጽ ረዲኤት ዝውዕላ ነፈርቲ፣ ካልእ ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ከትበርር ምኽልካሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳኔ፣ ፈለማ ኣብ ዕለት 15 ናይ ወርሒ ሚያዝያ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን፣ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱምን ክሊ ኣየር ሱዳንን ብምዕጻዉ ንዝመጽእ ሳዕቤን ተተካኢ መደብ ከምዘውጽኡ እዩ ተሓቢሩ ኔሩ።
ክሊ ኣየር ሱዳን ካብ ነፈርቲ ናጻ ናይ ምግባር ውሳኔ ብዝያዳ ካብ ዝጸልወን ሃገራት፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ዩጋንዳ፣ ኮንጎ ብራዛቪል፣ ጫድን ኬንያን ይርከብአን።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0