ኢትዬጵያ እትወስዶ ዘላ ስልታዊ ስጉምቲ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፣ ንተኣፋፊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ተወሳኺ ግጭት ዘእቱ ‘ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: Thursday, 04 January 2024

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ክቲመዎ ዝብሎ ዘሎ መረዳድኢ ሰነድ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፣ ኣብቲ ድሮ ብኵናትን ግጭታትን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ተወሳኺ ረጽሚ ዘምርሕ ምዃኑ መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ኣብ ዘቕረበቶ ትንታነ ገሊጻ።

ኢትዬጵያ፣ ኣምሳያ ናይቲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ሰነደ፣ ነታ ኣካል ሶማል ምዃና እትግለጽ ርእሰ ምምሕዳር፣ ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣፍልጦ ዝህብ’ዩ።

እዚ ድማ፣ ነታ ካብ 1991 ኣትሒዘን ዝተበታተና ርእሰ ምምሕዳራት ናብ ግዝኣታዊ ሓድነት ንምምላስ፣ ንልዕሊ 30 ዓመታት ከቢድ ጻዕሪ ከተካይድ ዝጸንሐት ሶማል፣ ሓድሽ ብድሆ ዝፈጥር’ዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት እኳ እንተዘይብላ፣ ኢትዬጵያ ምእንቲ ስልታዊ ረብሓታታ፣ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ተሰማሚዓ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ሶማሊላንድ ብወገና፣ 20 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ ንኢትዮጵያ ብመልክዕ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሕ ክራይ ከትህባ”ያ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኢትዬጵያ ወሲዳቶ ዘላ ስልታዊ ስጉምቲ፣ ተፃብኦ ክብል ክገልጾ እንከሎ፣ ነቲ ምስ ኣካሉ ምዃና ዝጠቕሳ ሶማሊላንድ ዝተበጽሐ ስምምዕ ነጺግዎ’ዩ።

ሉኣልዊ ክፋላ ኣሕሊፋ ከምዘይትብ እትገልጽ ዘላ ሶማል፣ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ምስሓብ ሓሊፋ፣ ነቲ ኢትዬጵያ ወሲዳቶ ንዘላ ስጉምቲ እትህቦ ግብረ መልሲ ኣይገለጸትን።

ኣብ ሓያሎ ክፋላት ኢትዬጵያ፣ ‘ኣፍደገ ባሕሪ ወኒንና’ ዝብል ዘመተን ጽምብላትን ክካየድ እንከሎ፣ ብወገን ሶማል ድማ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ኣብ ውሽጣዊ ኵናትን ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ተሸሚማ እትርከብ ኢትዬጵያ ወሲዳቶ ዘላ ስልታዊ ስጉምቲ፣ ካብ ናይ ሜድያ ፕሮፖጋንዳን ውሽጣዊ ሃልክን ዝሓለፍ ኣይኮነን ዝብል ትንታነት ‘ውን ይወሃቦ ኣሎ።

ኣልሸባብ ንምድምሳስ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ በጺሐ ክብል ዝጸንሐ መንግስቲ ሶማል’ውን ምስታ ኣውራ መሻርኽቱ ኣብ መኸተ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓድሽ ምፍጣጥ ምእታው፣ ነቲ ወፍሪ ንድሕሪት ዝመልስ ከይከውንን ካልእ ግጭት ከየጎሃህርን ይስጋእ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0