ናብ ዓሰብ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ነትጕ ኣጋጢሙ

Radio Erena: Thursday, 04 January 2024

ናብ ወደብ ዓሰብ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ብውሕዱ ሰለስተ ነትጕ ከምዝተራእየ፣ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ስርሒታት ባሕርያ ንግዲ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሰሉስ 02 ጥሪ፣ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤልመደብ፣ ከባቢ ክሊ ማይ ዓሰብ ዘጋጠመ ነትጕ፣ ኣብታ ናይ ንግዲ ምዃና ዝተጠቕሰት መርከብ ይኹን ሰራሕተኛታታ ዘብጽሖ ጉድኣት ከምዘየለ’ዩ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ጠንቂ’ቲ ኣብታ መርከብ ዝተራእየ ነትጕ ኣየነጸረን።

እታ መርከብ ዋንነታ ይኹን፣ ካበይ ክምዝተበገሰተን ናበይ ተምርሕ ምንባራን ኣይተሓባረን።

ዕጡቓት ሑቲ፣ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወ ንዝበልወን ናይ ንግዲ መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብተደጋጋሚ የጥቅዑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እዛ ናብ ወደብ ዓሰብ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ክሊ ማይ፣ ነታጕ ኣጋጢሙዋ እትብሃል ዘላ መርከብ’ውን ሑቲ ብዝወንጨፎ ሮኬታት ተጠቒዓ ክትከውን ከምእትኽል ይግመት።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0