ሊብያ፣ ልዕሊ 1200 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ተመሊሶም

Radio Erena: Thursday, 04 January 2024

ኣብዛ ዝሓለፈት ሰሙን፣ ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሱ ልዕሊ 1200 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብታ ሃገር ከምዝተመልሱ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት -IOM ሓቢሩ።

እቲ ትካል ነዚ ዝሕብር ዘሎ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ሰሙን ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ካብ ዝተበገሱ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ኣስታት 60 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ድሕሪ ምማቶም ‘ዩ።

ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2023፣ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ካብ ዝተበገሱ 10ታት ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ኣስታት 974 ጥሒሎም ክሞቱ እንከለዉ፣ ልዕሊ 1372 ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ልዕሊ 17 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብታ ዝተበገሱላ ሊብያ ከምዝተመልሱ ጸብጻብ -IOM የመልክት።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0