ሰኔጋል፣ ብምርጫ ዝተዓወተ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝንኣሰ ሓድሽ ፕረዚደንት ስልጣን ክርከብ’ዩ

RADIO ERENA – Thursday, 28 March 2024

ኣብ ሰኔጋል፣ ብ25 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ዝተዓወት ወዲ 44 ዓመት፣ ባሲሩ ድዮማይ ፋይ፣ 5ይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንምዃን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ስልጣን ክርከብዩ።

ባሲሩ ፋይ፣ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሕካ፣ ኣብ ጸለመ ተዋፊርካ ብዝብልን ካልእን ክስታት ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽንሓ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምርጫ ምክያዱ፣ ናጻ ወጺኡ ኣብ ዝተሳተፎ ምርጫ ተዓዊቱዩ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ።

ኣብቲ ምርጫ፣ ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ኣማዱ ባ፣ ስዕረቱ ብወግዒ ተኣሚኑ ኣሎ።

ባሲሩ፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዎ መራሕቲ፣ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዝተዓወተ ብዕድመ ዝነኣሰ ፕረዚደንት ክኸውንዩ።

ንሱ፣ ነዊሕ ተሞክሮ ንዝለዎም ፖለቲከኛታትን ሰበ ስልጣን ነበርን ሰኔጋል ብምስዓርዩ፣ ኣብቲ ምርጫ ተዓዊቱ።

ካብ 2020 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ማኪ ሳል፣ መንበሩ ነቲ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዝተዓወተ ባሲሩ ፋይ፣ ኣብ 2 ሚያዝያ ከረክቦዩ።

ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ተቓውሞን ናዕብን ክካየደላ ዝጸንሐት ሰኔጋል፣ ግዝኣት ፈረንሳ ኣብ ዝነበራ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ተኸታተሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ከይጸልዋ ተሰጊኡዩ ጸኒሑ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ብምርጫ ናብ ስልታን ምምጽኡ፣ ነታ ኣሰር ጎረባብታ ከይትስዕብ ተሰጊኣ ዝጸንሐት ሰኔጋል፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕራፍ ኸፍተላ ትጽቢት ይግበር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0