ኡጋንዳ፣ ምስ ጓሉ ዝጓዓዝ ዝነበረ ጀነራል ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ፣ ጓል ተቐቲላ

Radio Erena: 02 June 2021

ኣብ ኡጋንዳ፣ ምስ ጓሉ ዝጓዓዝ ዝነበረ ጀነራል ካቱምባ ዋማላ፣ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ።

ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታት ኡጋንዳ ዝኾነ ጀነራል ካቱምባ፣ ኪሳሲ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ ኡጋንዳ፣ ምስ ጓሉ ብመኪና እናተጓዕዘ እንከሎ፣ ክልተ ዕጡቓት ሃንደበታዊ ተዅሲ ከምዝኸፈትሉ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ጓሉ ብኡ ንብኡ ክትቅተል እንከላ፣ ንሱ ድማ ኣብ ኢዱን ከባቢ ኣፍ ልቡን ጠያይቲ ተወጊኡ፣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኡጋንዳ ዝነበረ ጀነራል ካቱምባ፣ ሎሚ ሰሉስ 01 ሰነ፣ ናብ ተዝካር ሓማቱ እናኸደ እንከሎ’ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተኻይድሉ።

ነቲ ፈተነ ቅትለት ዘካየዱ ዕጡቓት ይኹኑ ዕላምኦም ዝተፈልጠ ነገር የለን።

እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ዘረጋገጸ ኣፈኛ ፖሊስ ካምፓላ፣ ሉክ ኦወሱጊረ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ከቕርብ ምዃኑ ሓቢሩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0