ግብጽን ሱዳንን ካከይድኦ ዝቐነያ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ዛዚመን

Radio Erena: 01 June 2021

ግብጽን ሱዳንን ከካይድኦ ዝቐነያ ሓብራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ብሰኑይ 31 ግንቦት ዛዚመን።

እቲ ‘ሓለውቲ ናይል’ ተሰምዩ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝተኻየደ ሓባራዊ ልምምድ፣ ሓይልታት ኣየር፣ ባሕርን ምድርን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብ ከባቢ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛዘም ጽንብል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ግብጺ፣ ጀነራል መሓመድ ፋሪድን ሱዳናዊ መዘንኡ ጀነራል መሓመድ ዖትማን ኣል ሓሰን ተረኺቦም።

ግብጽን ሱዳንን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ንኻልኣይ እዋን ዘካይድኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ ዝብሃል።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ክትወስዶ ዘንቀደት ናይ ሽምግልና ተበግሶ ከምዘቛረጸት፣ ኣሻርቕ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና፣ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብቲ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ዘንቀደ ተበግሶ ዝሰሓበትሉ ምኽንያት ኣየነጸረን።

ኢማራት ካብቲ ጉዳይ ከምዝሰሓበት ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ቀጠር ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ርክባት ኣካይዳ።

ብጉዳይ ናይል ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚረን ብጉዳይ ዶብ ናብ ረጽሚ ኣምሪሐን ይርከባ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0