ንሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምሉኦም ቪዛ ከይወሃብ መምርሒ ከምዝበጽሖ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 01 June 2021

ንናይ ቀደም ይኹን ናይ ሕጂ ሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንብምሉኦም ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ከይወሃብ መምርሒ ከምዝበዝሖ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ፣ ሎሚ ሰሉስ 01 ሰነ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፣ ብወገን ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ደው ንምባሉን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይዕንቕፋት ንምብጽሑን ዝተወስደ ተበግሶ ብዘይምህላዉ፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ነቲ ቪዛ ናይ ምኽልካል ፖሊስ ኣብ ግብሪ ከምዘውዓሎ ኣረጋጊጹ።

እቲ ምኽልካል ቪዛ፣ ንሓለፍቲ ጸጥታን ወትሃድራውያን ኣዘዝቲን ህወሓትን ሚሊሻታት ኣምሓራን ዘጠቓለለ’ዩ።

ካልኦት ዜጋታት እዘን ሃገራት፣ መምርሒታት ምግታእ ኮረናይ ቫይረስ ብዝሓለወ ኣገባብ፣ ንትምህርቲ ስራሕ ይኹን ካልእ ንጥፈታት ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ክሓቱ ከምዝኽእሉ እቲ ኤምባሲ ኣነጺሩ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0