ን38 ዓመታት ንኣንጎላ ዝመርሐ ፕረዚደንት፣ ስልጣኑ ሓድሽ ንዝተመርጸ ፕረዚደንት ኣረኪቡ

ን38 ዓመታት ንኣንጎላ ዝመርሐ ፕረዚደንት፣ ስልጣኑ ሓድሽ ንዝተመርጸ ፕረዚደንት ኣረኪቡ

Radio Erena: 29 September 2017

angola presidents

ን38 ዓመታት ንኣንጎላ ዝመርሐ ፕረዚደንት ጆሴ ኤድዋርዶ ዶ ሳንቶስ፣ ሓድሽ ንዝተመርጸ ፕረዚደንት ዦዋ ሎረንሶ ኣረኪቡ።

ይኹን’ምበር ፕረዚደንት ነበር ኤድዋርዶ ዶ ሳንቶስ፣ ስልጣኑ ሚኒስተር ምክልኻል ንዝነበረን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተዓወተን ዦዋ ሎረንሶ ቅድሚ ምርካቡ፣ ንዕኡን ስድራቤቱን ውሕስነት ዝህብ ሓድሽ ስርዓተ መንግስቲ ከምዝህሉ ከምዝገበረ ተንተንቲ ፖለቲካ ካብታ ሃገር የረድኡ።

እቶም ተንተንቲ ብዝህብዎ ዘለዉ መግለጺ፣ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስርዓተ መንግስቲ፣ ኤድዋርዶ ዶ ሳንቶስን ስድራቤቱን ብድሕሪ መጋረጃ ብምዃን ነታ ሃገር ክመርሑ’ዮም።

 

ሓያሎ ኣባላት ስድራቤቱ’ውን ኣብ ኣገደስቲ ጽፍሕታት መንግስቲ ክቕጽሉ ከምዝኽእሉ ይጠቅስ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እዚ ሓድሽ ተመሪጹ ዘሎ ፕረዚደንት ነዚ ዝቕጽል 30 ዓመታት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ንኸይመዝዝ ምስቲ ስልጣኑ ዝገድፍ ዘሎ ፕረዚደንት ስምምዕ ከምዝኸተመ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ሓድሽ ፕረዚደንት ኣንጎላ፣ ብወግዒ ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፣ ፕረዚደንት ነበረ ኤድዋርዶ ዶ ሳንቶስ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ዘመሓድሮ መንግስቲ ከምዘየሎ ገሊጹ።

ወዲ 75 ዓመት ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ጆሴ ኤድዋርዶ ዶ ሳንቶስ፣ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ዓመታት፣ ካብ ኣታዊ ነዳዲ እታ ሃገር ቢልዮናት ዶላራታ ናብ ናይ ውልቂ ሕሳቡን ሕሳብ ስድራቤታቱን ከምዘሰጋገሮ’ዩ ዝውቀስ።

ቦኽሪ ጓሉ፣ ኢዛቤል ዶ ሳንቶስ፣ ወናኒት 3.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ኮይና፣ ካብ ደቂንስትዮ ኣፍሪቃ ብሃብቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምእትስራዕ መጽሔት ፎርብስ የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0