ገደብ ዕድመ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ናዕቢ ይፈጥር

ገደብ ዕድመ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ናዕቢ ይፈጥር

Radio Erena: 26 September 2017

 Uganda_parlmኣብ ኡጋንዳ፣ ገደብ ዕድመ ፕረዚደንት ከዘራርብ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝታይ ኣብ መንጎ ዝተኣከቡ ኣባላት ፓርላማ ባእስን ዕግርግርን ፈጢሩ።

ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ ብሰሉስ 26 መስከረም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣፈኛ እቲ ፓርላማ ብዛዕባ ምንዋሕ ገደብ ዕድመ ፕርዚደንት ብምዝልከት መኽፈቲ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ፣ ኣብ መንጎ እቶም ኣባላት ናይ ተቓውሞ ዕግርግር ዝተራእየ። 

ዕድመ ፕረዚደንት ገደብ ዘይብሉ ክኸውን ዝደገፉ ኣባላት ፓርላማ ብወገኖም ብዘርኣይዎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ግብረ መልሲ፣ እቲ ኣኼባ ናብ ናዕብን ዕግርግርን ዓሪጉ።

ኣባላት ፓርላማ ብጉስጥን ብወናብርን ኣብ ዘካየድዎ ምትህርራም፣ እቲ ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ንኣስታት 20 ደቓይቕ ደው ክብል ተገዲዱ።

 

ካብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ፣ ጠበንጃ የድልየና ኣሎ ክብሉ ከምዝተሰምዑ’ውን ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ሽጉጥ ሒዞም ዝኣተዉ ኣባላት ፓርላማ’ውን ከምዝነበሩ ዝሓበራ እተን ማዕከናት ዜና፣ ዝኾነ ተዅሲ ከምዘይተሰምዐ ግና ጠቒሰን።

ገደብ ዕድመ ፕረዚደንት ካብ ቅዋም እታ ሃገር ክልዓል ብመንስቲ ንዝቀረበ እማመ ንምቅዋም ኣብ ከተማ ኡጋንዳ ክካየድ ዝተመደበ ሰለማዊ ሰልፊ መንግስቲ ከምዝኣገዶ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ነቲ ብመንግስቲ ዝተነብረ እገዳ ብምጥሓስ ሓያሎ ኡጋንዳውያን ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ኣብ ጎደናታት ካምፓላ ጎነጽ ዝተሓወሶ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም’ዮም።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፣ ዕድሚኡ ካብ 35 ክሳብ 75 ዓመት ዝኾነ ዜጋ እታ ሃገር ጥራይ’ዩ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ናይ ምውድዳር መሰል ዘለዎ።

73 ዓመት መሊኡ ዘሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዮዌሪ ሙሰቬኒ፣ ኣብ 2021 ኣብ ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር ወዲ 76 ዓመት ስለዝኸውን ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ናብ ምርጫ ክቐርብ ኣይፍቀዶን’ዩ።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ዕድመ ብዝምልከት ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምምሕያሽ ብምግባር፣ ንመበል ሻድሻይ እዋኑ ናብ ውድድር ክቐርብ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ን31 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ፣ ሓደ ካብቶም ምስሊ ኣፍሪቃ ደዊኖም ዘለዉ 10 ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0