ሰራዊት ቻይና ኣብ ጅቡቲ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይዱ

ሰራዊት ቻይና ኣብ ጅቡቲ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይዱ

Radio Erena: 29 September 2017

china djibouti training

ኣብ ጅቡቲ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ቻይና፣ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየደ ወትሃደራውያን ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ምስ ኣቀማምጣ መሬትን ኩነታት ኣየር እታ ሃገርን ዝሳነ ኣጽዋርን ዓቕሚ ሰራዊትን ንምምልማል ምዃኑ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ቻይና ቅድሚ ክልተ ዓመታት ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ብዝኸተሞ ስምምዕ መሰረት፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ ብታንክታትን ድሩዓትን ዝተሰነዩ ኣስታት 500 ወትሃደራት ናብታ ሃገር ልኢኻ’ያ።

ቻይና ኣብ ጅቡቲ፣ ዝሃነጸቶ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት 2 ሽሕ ወትሃደራት ከአንግድ ዝኽእል’ዩ።

 

ኣብ ጅቡቲ ብዘይካ ሰራዊት ቻይና፣ ኣቐዲሞም ዝተዋፈሩ ኣሽሓት ወትሃደራት ኣመሪካን ፈረንሳን’ውን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ስዑዲ ዓረብ’ውን ኣብታ ሃገር ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትሰርሕ ከምዘላ ብወግዒ ገሊጻ’ያ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0