ንፌስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ጀርመንን ብሪጣንያን ብምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ዘጓነፎ ተቓውሞን ምስራዝን ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ክቕጽል ተኽእሎ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: Monday, 17 July 2023

ንፌስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ጀርመንን ብሪጣንያን ዘጓነፎ ተቓውሞን ምስራዝን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን’ውን ብተመሳሳሊ ክቕጽል ከምዝኽእል፣ ወከልቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ዘካይድ ዘሎ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይገልጹ ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜዳያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ጻውዒት ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፣ ኣንጻር እቲ ናይ ኤርትራ ስርዓት ዝቓወሙ ወገናት ብፍላይ መንእሰያት፣ ኣብ ዘለውሉ ሃገራት ዝውደብ ፌስቲቫላት ህግደፍ ብምክትታል፣ ብሕጋዊ መንገዲ ይኹን ተሪር ተቓውሞ ደው ንምባሉ ክተኣኻኸቡ ይላቦ።

ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ጊሰን ዝተወደብ ፌስቲቫል ህግደፍ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ደው ንምባሉ ዝተኻየደ ጻዕሪ ክዕወት እኳ እንተዘይክኣለ፣ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ብዝደቦ ተሪር ተቓውሞ ግና፣ ምስሊ ናይቲ ኣብ ኤርትር ዘሎ ስርዓትን ደገፍቱን ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጎሊሑ ክርአን፣ ንመጻኢ ምክያዱ ድማ ኣብ ምልክት ሕቶ ከምዝኣቱን ኮይኑ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ፣ ኣብ ብሪጣንያ ዝተወደብ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፣ ፌስቲቫል ናይቲ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽም ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከይካይድ ብዝገበሮ ጸቕጢ፣ ብውሳኔ ፖሊስ ክስረዝ ከምዝኽኣለ ይፍለጥ።

ስርዓት ህግደፍ ብዝፈጸሞ ከቢድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ካብ ገዛእ ዓዶም ተሰዲዶም ብዝነብሩ ዘለዉን ኣንጻር እቲ ስርዓት ሓያሎ ቁጠዐ ዘለዎምን፣ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣሽሓት መንእሰያት፣ ኣብ ጀርመንን ብሪጣንያን ኣንጻር ፌስቲቫላት ህግደፍ ዘካየድዎ ዕቁት ስርሒታት፣ ኣብ ካልእት ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብፍላይ ሽወደንን ስዊዘርላንድን ንምድጋሙ ብኣግኡ ምውድዳብ ጀሚሮም ምህላዎም’ውን ይስማዕ’ዩ።

ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣብጻር ስርዓት ህግደፍን ብደገፍቱ ዝካየድ ከም ፌስቲቫላት ዝኣመሰለ ምትእኽኻባትን፣ ብሓያል ውዳበ ዝገጥሞ ዘሎ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፣ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን’ውን ብዝተወደበ መልክዕ ብምስፍሕፋሕ ተመሳሳሊ ስጉምታት ክወስድ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፣ ኣብ መሬት ኤውሮጳ ከቢድ ስግኣት ዝፈጠረሉ ህግደፍ፣ ብምስ መግለጺ ማሕበረ ኮማት፣ ኣብ ማዕከናት ዜናኡ፣ ቅሉዕ ጸርፍን ጠቐነን የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0