ኣየርላንድ፣ ኣብ መኪና ተሓቢኦም ዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ተታሒዞም

RADIO ERENA – Thursday, 21 March 2024

ፖሊስ ኣየርላንድ፣ ኣብ ወደብ ሮስላር፣ ተዓሺጋ ኣብ ዝነበረት፣ ተሳሓቢት ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ከምዝሓዘ፣ ጋዜጣን ኣይሪሽ ታይምስ ሓቢራ።

ካብቶም ብ15 መጋቢት ከምዝተታሕዙ ዝተሓበሩ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ሽዱሽተ፣ ኣባጽሕ ምዃኖም ዝሓበረ ፖሊስ እታ ሃገር፣ ጉዳዮም ብምምርማር ብኡ ንብኡ ናብቲ ዝተበገስሉ ቦታ ብመርከብ ከምዝመለስዎም ኣነጺሩ።

ዝተበገስሉ ቦታ ኣይተጠቕሰን።

እቲ ሓደ ግና ትሕቲ ዕድመ ብምዃኑ፣ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ተወሲዱ።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ ምዃኑ ዝተመልከተ ኤርትራውያን፣ ካብ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ኣየርላንድ ናብታ ኣካል ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾነት ሰሜን ኣየርላንድ ንምስጋር መደብ ከምዝነበሮም ይግመት።

ካብ ፈረንሳን ቤልጁምን ብንኣሽቱ ጀላቡ እናተበገሱ ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ናይ ዝሕልኑ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ እናዛየደዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ናብ ብሪጣንያ ንምዝጋር ካብ ዝፍትኑ ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባንውን፣ ዓመታዊ 10ታት ኣብዚ ክሊ ማይ ህወይቶም ይስእኑ።

ብሪጣንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ዘለዉ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ናብ ሩዋንዳ ከተሰጋግሮምያ ትሕልን።

ስእሊ፦ ወደብ ሮስላር ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0