ሱዳን ሰሜን ዳርፉር ፣ መዓልታዊ 13 ህጻናት ይሞቱ

Radio Erena: Wednesday 07 , Feburary 2024

ኣብ ሱዳን ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓት ብውሕዱ ሓደ ህጻን ይመውት።

ብመሰረት ጸብጻብ ሓካይም ብዘይዶብ እቲ ን9 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት፣ ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ከም ዝሃሰዮ ተገሊጹ።

ኣብ ሰሜን ዳርፉር ዝነበረ ኣገልግሎት ጥዕና ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ይድገፍ ምንባሩን ሓድሕዳዊ ኲናት ሱዳን ካብ ዝጅምር ንደሓር ግን ኣብቲ ከባቢ ቀረብ ኣብ ምብጻሕ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከም ዘሎ ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ሓላፊት ህጹጽ ረድኤት ሓካይም ብዘይዶብ ማለት ኤምኤስኤፍ ኣብ ሱዳን ክሌር ኒኮሌት፣ “ብፍላይ ኣብ መዓስከር ዛምዛም ንርእዮ ዘለና ኩነታት ፍጹም ኣዕናዊ እዩ” ክትብል ትገልጾ።

ትካል ግብረ ሰናይ ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 13 ህጻናት ከም ዝሞቱ ገሚቱ።

እቶም ገና ዘይሞቱ ዘለዉ ውን ከቢድ ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ስለ ዝኾኑ፣ ህጹጽ ሕክምና እንተዘይረኺቦም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ናይ ምሟት ሓደጋ የንጸላልዎም ከም ዘሎ እቶም ሓካይም ገሊጾም።

እዞም ኣብዚ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩን ዝነውሐ ዕድመን ዘለዎ መዓስከር ዛምዛም ዝርከቡ ቆልዑ ናብ ትካላት ጥዕና እንተበጺሖም ዋላኳ ኩነታቶም ክመሓየሽ ዝኽእል እንተኾነ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት ናይ መጓዓዝያ ግን ደገፍ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ሓካይም ብዘይዶብ ገሊጹ።

መዓስከር ዛምዛም ኣብ ፈለማ 2023 ኣብቲ ከባቢ ካብ ቀቢላዊ ግጭት ሃዲሞም ኣብኡ ዝተዓቑቡ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ዝሓቖፈ መዓስከር እዩ።

ውግእ ሱዳን ኣብ ሚያዝያ 2023 ካብ ዝጅምር ንደሓር፣ ኣስታት 10.7 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ክመዛበሉ እንከለዉ፣ 17.7 ሚልዮን ሰባት ድማ ሓደጋ ዓጸቦ የጋጥሞም ከምዘሎ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሃገራት፣ ኩነታት ሱዳን እንተዘይተመሓይሹ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ሱዳን ዝመጹ ሓተትቲ ዑቕባ ንምቕባል ክዳለዋ ኣዘኻኺሩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0